Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ ብዘደንቕ መልክዑ ብሰላም ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት የመስግን – ርእሰ ምምሕዳር ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ ብዘደንቕ መልክዑ ብሰላም ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ብሽም መንግስቲን ህዝቢን የመስግን ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ በዓል ኢሬቻ ብሰላም ተኸቢሩ ምዝዛሙ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓለለፉዎ መልክእኽቲ÷ “መላእ ህዝቢ ብፍላይ ሓይሊታት ፀፅታ እቲ በዓል ንኽዕወት ንዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋናይን ናእዳይን ይገልፅ” ኢሎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ትካላት ሚዲያ ረብሓ እቲ በዓል ብምግላፅን ክብሪታት እቲ በዓል ብምፍላጥን ንዝተታ ዘይትካእ ግደ ኣመስጊኖም።

እቲ በዓል ፀላእቲ ከምዝደለዩዎን ዝተመነዩዎን እንተይኮነስ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብዝደመቐ መልክዑ ብሰላም ክዛዘም ከምዝኸኣለ ዝሓበሩ እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ትማሊ ዝተኸበረ በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔን ሎሚ መዓልቲ ዝተኸበረ ሆረ ሃርሰዴን 10 ሚሊየን ህዝቢ ወፂኡ ነቶም በዓላት ብዘደንቕ መልክዑ ከኽብሮም ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

እዚ ድማ ውፅት ህዝቡን ሓይሊ ፀፅታን ከምኡ እውን ብቕዓት ዝተፈላለዩ ውዳበታት ዝተዋደደ ኣመራርሓ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መግለፂኦም÷ እቲ በዓል ምኽንያት ብግባር ናይ ፀላእቲ ልኡኽቶ ይንበሩ እምበር በዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔን ሆረ ሃርሰዴን ብዘይ ዝኾነ ፀገም ፀፅታ ብሰላም ክዛዘሙ ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም።

“እዚ ድማ ሓይሊ ፀፅታ ኢትዮጵያ ኣብ ምንታይ ብርኪ ከምዝርከብ ብተግባር ዝተርኣየሉ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣብ እዋን በዓል መስቀል ዝነበረ ሰላማዊ ኣከባብራ በዓል ኣብ በዓል ኢሬቻ እውን ተደጊሙ ኢዩ ዝበሉ ኣይ ሽመልስ÷ እቲ በዓል ብሰላም ንኽኽበር ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ኩሎም ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ናይ ኩሎም ባህሊታ ድምር ውፅኢት ከምዝኾነን በዓል ኢሬቻ ብሰላም ንኽዛዘም ሽፋን ንዝሃቡ መራኸብቲ ሓፋሽን ኣመስጊኖም፡፡

ኢትዮጵያ ክብ ንኽትብል ኩሎም ባህሊታት ብማዕረ ክተኣናገዱ ከምዝግባእን ኣብ ቀፃሊ ሃገራዊ ክብሪታት ብማዕረ ንኽኽበሩ ከምዝግበርን እውን ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.