Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ ብምስጋና ነኽብር ኣለና – ተሳተፍቲ እቲ በዓል

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ መዓልቲ ምስጋና ብምዃኑ ብምስጋና ነኽብር ኣለና ክብሉ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ገሊፆም።

በዓል ኢሬቻ ሆረ ርሰዴ እዚ ዓመት ኣባ ገዳታት ስነ-ስርዓት ኢሬፈና ብምክያድ ብዕሊ ኣጀሚሮምዎ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣባ ገዳታት ብዛዕባ ሰላም ሃገር ንፈጠራሪ ሓቲቶም÷ ሃገር ሰላም ንኽኸውንን ሰናይ ነገራት ኩሎም ንኽኾኑን መሪቖም፡፡

ኣብቲ በዓል ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝመፅኡ ኣጋይሽ ሓዊሱ ነበርቲ ከተማ ቢሾፍቱ እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

“በዓል ኢሬቻ መዓልቲ ምስጋና ብምዃኑ ብምስጋና ነኽብር ኣለና” ክብሉ ተሳተፍቲ እቲ በዓል ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገልፆም፡፡

እቲ በዓል ብሰላም እናተኸበረ ከምዝኾነን ህዝቢ ባህሉ ብዘርኢ መልክዑ ብምትሕብባርን ምክብባርን እናሕለፈ ከምዝኾነን እውን ተዛሪቦም፡፡

መግለፂ ህዝቢ ኦሮሞ ዝኾ በዓል ኢሬቻ÷ ካብ እዋን ናብ እዋን እናደመቐ ይኽበር ምህላዉ እቶም ተሳተፍቲ ገሊፆም፡፡

ብመሰረት ኣወቀ

ምስል በአብርሃም ፈቀደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.