Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ “ሆረ ኣርሰዴ” ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ምኽባር ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ “ሆረ ኣርሰዴ” ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ሆረ ፊንፊኔ” ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታትን ካብ ዝተፈላለያ ዞባታት ኦሮሚያ ዞኖች ዝመፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኸቢሩ ውዒሉ።

አውደ ምርኢት፣ ፓናል ምይይጥን ካልኦት ዝተፈላለዩ ምድላዋት ብምስላጥን እናተኸበረ ቀኒዩ ኢዩ።

ክብረ በዓል ኢሬቻ “ሆረ ኣርሰዴ” ኣባገዳታት ስነ ስርዓት ኢሬፈና ብምክያድ ብዕሊ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኢሬቻ በዓል ምስጋና ብምዃኑ ኣባ ገዳዎታት ምድሪን ሰማይን ንዝፈጠረ ፈጣሪ ምስጋና ኣብፂሖም።

ኢሬቻ ብህዝቢ ኦሮሞ ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦመግለፂ ስርዓት ገዳ እንትኸውን፥ ብዙሓት ሰባት እውን ነዚ በዓል ኣብ ቢሾፍቱ እናተኻፈሉ ይርከቡ።

ሃብታሙ ተ/ስላሴ

ምስሊ ኣብርሃም ፈቀደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.