Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ መጠን ድኽዳኸ ካብ 60 ናብ 37 ሚኢታዊ ክንኪ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገር ለኸ መጠን ድኽዳኸ ካብ 60 ናብ 37 ሚኢታዊ ክንኪ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጥዕና ምስ ሴክተር ኣቢያተ ዕዮ መንግስቲን መዳርግቲ ትካላትን ኣፈፃፅማ መንፈቕ ዓመት ብዝምልከት መድረኽ ዘተ ኣካይዶም።

ኣብ ጉዳይ ስርዓተ ምግቢ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ፥ ሃገር ለኸ መጠን ድኽዳኸ ካብ 60 ናብ 37 ሚኢታዊ ክንኪ ከምዝኸኣለ ዳይሬክተር ህፃናትን ኣዶታትን እቲ ሚኒስትር ዶክተር መሰረት ዘላለም ኣብቲ እዋን ዘተ ተዛሪበን።

እቲ ፀገም ብዘላቒነት ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲድካ ምስራሕ ከምዝግበኣ እውን ኣተሓሳሲበን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ንዘርኣያ ወረዳታት ኦፍላን ቆላ ተምቤንን ካብ ክልል ትግራይ፤ ከምኡ እውን ወረዳታት ደሃና፣ ዝቋልን ጋዞን ካብ ክልል ኣምሓራ ኣፍልጦ ከምዝተውሃበን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.