Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ከተማ ኮምቦልቻ ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ከተማ ኮምቦልቻ ኣብ ግምባር ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሮም።

እቲ ሓገዝ ሰንጋታት፣ ለስላሳ መስተን ካልኦት ኣድለይቲ ናውቲን ዘካተተ ኢዩ፡፡

ሓላፊ መምርሒ ልምዓት ንግዲን ዕዳጋን ምምሕዳር ከተማ ኮምቦልቻን መተኣኻኺቢ እቲ ሓገዝን ዮናስ መላኩ እቲ ሓገዝ ኣብ ዘረከቡሉ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እናመከተ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ራብዓይ ዙር ዝመፅአ ሓገዝ ካብ ነበርቲ እታ ምምሕዳር ከተማ ዝተኣከበ ኢዩ፡፡

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ምክትል ኣመሓዳሪ ዘዞባ ሰሜን ወሎን ሓላፊ መምርሒ ትምህርቲን ጋሻው ኣስማሜ ብግደኦም÷ ኣብ ግምባር ንዝተሰለፈ ሰራዊት ምክልኻል ዝተገበረ ሓገዝ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም http://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.