Fana: At a Speed of Life!

ካብ ምፅላእ ምፍቓር፣ ካብ ምድፍፋእ ምቅርራብ ካብ ባዕልኻ ሓሊፉ ንሰባት ምሕሳብ ካብ ስራሕቲ መስቀል ክንመሃር ኣለና–ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩላትና ካብ ምፅላእ ምፍቓር፣ ካብ ምድፍፋእ ምቅርራብ ካብ ባዕልኻ ሓሊፉ ንሰባት ምሕሳብ ካብ ስራሕቲ መስቀል ክንመሃር ኣለና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

በዓል ዳመራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ብድሙቕ ኩነታት ተኸቢሩ።

ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኸባ ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ በዓል ዳመራ ኣዲስ ኣበባ ብበፃሕቲ ዓዲ ተመራፂት ንክትከውን ልዑል ግደ ኣለዎ ኢለን።

እቲ በዓል ሃገርና ንዓለም ካብ ዘፋለጡ በዓላት ሓደን እቲ ዝዓበየን ኢዩ ኢለን።

ካብዚ ሓሊፉ ፍቕሪ፣ ሕውነት፣ ሓድነት ዝግለፀሉ ንህዝብና ዘዛመደ ዓብዪ በዓል ኢዩ ክብላ ገሊፀን።

ወዲ ሰብ ቅኑዕ ፍቕሪ ካብ እየሱስ ክርስቶስ ፍቕሪ መስቀል ምምሃር እንተዝኽእል ኣብ ዓለም ፈተንቲ ነገራት መፍትሒ ክረኽቡ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም፤ ይኹን አንበር ዓለም ንፅልእን ምድፍፋእን  ዝተቓለዐትሉ ምኽኒያት ፍቕሪ ብምጉዳሉን ዓርሰ ፍትወት ዝበዝሓሉን ስለዝኾነ ኢዩ ክብላ ሓቢረን።

ስለዝኾነ ካብ ምፅላእ ምፍቓር፣ ካብ ምድፍፋእ ምቅርራብ ካብ ባዕልኻ ሓሊፉ ንሰባት ምሕሳብ ካብ ስራሕቲ መስቀል ክንመሃር ኣለና ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.