Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ፀደይ ስርሑ ብወግዒ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብናይ ቐደም ሽሙ ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣምሓራ /ኣብቁተ/ ናይ ሐዚ ባንኪ ፀደይ ስርሑ ብዕሊ ብወግዒ ጀሚሩ።

እቲ ባንኪ ኣብ 148 ጨንፈራት ብ 8 ቢሊየን ብር ብዝተኸፋፈለ ርእሰ ማል ብዕሊ ስርሑ ምጅማሩ ተገሊፁ።

እቲ ባንኪ ስሙ ናብ ፀደይ ባንክ ብምቕያር ስርሑ ጀሚሩ ዘሎ እቶም ዝነበርዎ 471 ጨንፈራት ሒዙ እዩ።

46 ቢሊየን ብር ዝግመት ሃፍቲ ዘለዎ ባንኪ ፀደይ፥ ዕቋርን ኢንቨስትመንትን ብምትብባዕ፣ ተሳታፍነት ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ብምዕባይ ኣብ ዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዓብይ ግደ ከም ዝፃወት ተሓቢሩ።

ኣብቲ ምጀማር ስነ-ስርዓት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራልን ክልላትን ፃዊዒት ዝተገበረሎም ዕዱማት ተረኺቦም እዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.