Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን መረፃ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝፍነዉ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ፀገም ከይፈጥሩ ምስራሕ የድሊ – ሙሁራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ እዋን መረፃ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝፍነዉ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት፥ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከይፍጠርን ድሕንነት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ከይወድቕን ምስራሕ ከምዝግባእ ሙሁራት ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ሙሁራት፥ መረፃ ብዝመፅአ ቁፅሪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝፍነዉ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ዘስዕቡዎ ፅዕንቶ ዝለዓለ ምዃኑ ምፍላጥ ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

ዝወፅኡ ሕጊታት ኣብ ተግባር ክውዕሉ ምግባርን ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብምፅራይ ፅፁይ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ምቕራብ እዋኑ ዝጠልቦ ሓላፊነት ከምዝኾነ እቶም ሙሁራት ተዛሪቦም።

ተመራመርቲ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ሴኔጋል፣ አልጀሪያ፣ ቻድን ጣልያንን፥ ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኻየዱ መረፃታት ብማሕበራዊ ሚዲያታት ዝተፈነዉ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ኣሉታዉ ፅዕንቶ ፈጢሮም ከምዝሓለፉ እውን ኣፍሊጦም።

ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ትልሚ ሒዛ ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ ኢትዮጵያ፥ ኣብተን ሃገራት ዝተፈጠሩ ፀገማት ከይድገሙ ተሞክሮ ክትወስድ ይግብእ ኢሎም።

ሴኔጋላዊ ተመራማሪ ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ኤሪክ ፉዋዴ፥ ፈነወ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብስሩዕ ፃዕሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ምቁፅፃር ከምዝከኣል ገሊፆም።

ኣልጀሪያዊ ተመራማሪ መንእሰይ ሃምዳን ቡርጃ ብግድኡ፥ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ኣብ ኩሉ ከባቢ እናተፈነዉ ምዃኖም ብምሕባር ዘጠራጥሩ ሓበሬታታት እንትርከቡ ሓቃውነቶም ንምእላሽ ምድካም የድሊ ኢሉ።

መንግስታት ሕጊ ካብ ምውፃእ ብተወሳኺ ተግባራዊ ኣብ ምግባርን ከይዲ ኣፈፃፅመኦም ምክትታልን ካሊእ መቆፃፀሪ መገዲ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ከምዝኾነ ገሊፁ።

ኣብ እዋን መረፃ ፅእንቶ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ምክልኻል ዝከኣል፥ ፊት ንፊት ተራኺብካ ልዝብን ክትዕን ምግባር ከምዝኾነ ድማ ጣሊያናዊ በዓል ሞያ ጉዳያት ሰላም ፔናኒዞ ገሊፆም።

ቻዳዊ ሙሁር ክሌማ ኣቦፌታ ብግደኦም፥ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ናይ ብዙሓት ሰባት ቀልቢ እናሰሓቡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ መናእሰይ ከምዚኦም ካብ ዝበሉ ዛዕባታት ክወፅኡ ከምዝግባእ ምዒዶም።

እቶም ምሁራት፥ ኣብ መረፃ ዝሳተፉ ፖለቲካኛታት ካብ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ብምርሓቕ ትኹረቶም ኣብ ምፅናዕ ርእዮተ ኣለም፣ ፖሊሲን ስትራቴጂን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ብስላባት ማናየ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.