Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልልን ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልልን ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮን ኣብ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራልን ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልልን ናብ ዝተመረፁሎም ከባብታት ትግራይ ብምኻድ ዝሓዙዎም ሕቶታት ንሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ (መፈፀምቲ ኣካላት) ኣቕሪቦም እዮም።

እቶም ሕቶታት ኣብ ማሕበረ ቁጠባዊ፣ ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ዘድሃቡ እንትኾኑ፥ ተወከልቲ ክልቲአን ኣብያተ ምኽሪ ንዝሓለፉ 10 መዓልትታት ናብ ዘዝመረፆም ህዝቢ ብምኻድ ኣብ ዘካየድዎ ዳህሳስ ዝተልዓሉ እዮም።

ከካብ ዞባታት ዝተልዓሉ ሕቶታት ብፍላይ እቶም ብዓቕሚ መንግስቲ ክልል ክፍትሑ ዝኽእሉ ብዝርዝር ቀሪቦም ብዝምልከቶም ኣካላት ምላሽ ተዋሂብሎም እዩ።

እቲ ዳህሳስ ምስተዛዛመ ድማ በቢብርኩ ምስ ዝርከቡ ዝምልከቶም ናይ ጣብያ፣ ወረዳን ዞባን ኣካላት ዘተ ብምክያድ እቶም ዝለዓሉ ዘለዉ ፀገማት ክሳብ ሕዚ ዘይተፈትሕሉ ምኽንያትን ንቐፃሊ ብኣግባቡ ዝፍትሕሉ መንገድን ብዝምልከት ምርድዳእ ከምዝተገበረ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕግን ምምሕዳርን ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንስቲ ትግራይ ኣይተ መጎስ ታፈረ ገሊፆም።

“ፈፀምቲ ኣካላት በቢሓላፍነቶም ነዞም ሕቶታት ንምምላስ ክሰርሑ ኣለዎም” ዝበሉ ኣይተ መጎስ፥ ኣባላት ቤት ምኽሪ በቢቀዋሚ ኮሚቴኦም ኮይኖም እቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት ከመይ ይፍትሑ ኣለው? ዝብል ንምርኣይ ቀፃልነት ዘለዎ ናይ ክትትልን ቁፅፅርን ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ኣብሪሆም።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕርሻን ሃፍቲ ማይን ኣይተ ዕፃይ እምባዬ ብግደኦም፥ እቲ ህዝቢ ብርክት ዝበሉ ፀገማት እኳ ዘልዕል እንተኾነ እቲ ዝዓበየ ፀገም ግና ምስ ኣወሃህባ ግልጋሎት፤ ብፍላይ ድማ ምስ መሬት ተኣሳሲሩ ዝለዓል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብዓቕሚ ክልል መንግስቲ ክፍትሑ ዝኽእሉ ፀገማት በቲ ናይቲ ህዝቢ ጠለብ ልክዕ ንምፍታሕ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ ወይን ጋዜጣ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.