Fana: At a Speed of Life!

ብምኽትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ÷ ሚነሲትር ምክልኻል ዶክተር ኣብርሃም በላይን ዳይሬክተር ጄነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ፍስሃ ሻውልን ኣቀባብላ ከምዝገበሩሉ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት÷ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብ መዚ መንግስቲ ኩለመዳይ ርክብ ምድንፋዕ ኣብ ዝኽእሉሉ ጉዳይ ኣድሂቦም ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.