Fana: At a Speed of Life!

ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል 50 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል 50 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ÷ ሓገዝ መንግስቲ እቲ ክልል ብኣብነት ዝፅራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንሰራዊት ምክልኻል 5 ቢሊየን ብር ሓገዝ ንምእካብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

እቲ ሓገዝ ዘረከባ ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስ ክልል ደቡብ ተፈሪ ኣባተ÷ እቲ ክልል ቅድሚ ሕዚ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተኸፈተ ወራር ንምምካት ልዕሊ 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ ቢሮ መተሓባበሪ ክላስተር ኢኮኖሚን ፕላንን ልምዓትን እቲ ክልል ዶክተር ባዩሽ ተስፋዬ ብግደአን÷ ህዝቢ እቲ ክልል ካብ ሓገዝ ሓሊፉ ሰላም ብምሕላውን ኣብ ግምባር ልምዓት ሰፊሕ ርብርብ እናገበረ ይርከብ ኢሎም።

እቲ ክልል ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተኸፈተ ሰሳልሳይ ዙር ኲናት ንምምካት እናተዋደቐ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ 220 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ብዓይነት ከምዘበርከተ ትካል ሬድዮ ቴሌቪዥንን ደቡብ ፀብፂቡ፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.