Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ገበን ተንከፍ ዝኾኑ ጉዳያት ዝኣተዉ ህፃናት ዝፀንሑሉ ማእኸል መፅንሒን ተሃድሶን ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕድመኦም ትሕቲ 18 ዓመት ኮይኑ ኣብ ገበን ተንከፍ ዝኾኑ ጉዳያት ተሳቲፎም ዝተረኸቡ ህፃናትን ሰገናትን ዝህነፁሉ ማእኸል ቤት ህንፀት ብልዕሊ 450 ሚሊየን ብር ወፃኢ ተሃኒፁ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ተረኺበን፡፡

ኣብ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝርከብ እቲ ትካል÷ ቅድሚ 70 ዓመት ኣብ 1936 ዓ.ም ከምዝተጣየሸ ተገሊፁ፡፡

እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ደረጅኡ ዝሓለወ ብዘይምዃኑን ነዊሕ ዘበን ዘቑፀረን ህንፃ ብሓዱሽ መልክዕ ምህናፅ ከምዘድለየ ተሓቢሩ።

ቅድሚ ሕዚ እውን 150 ተሃነፅቲ ጥራሕ እናተኣናገደ ዝነበረ እቲ ትካል ሕዚ ዕሊ 700 ተሃነፅቲ ኣብቲ ማእኸል ከፅንሕ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.