Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ወረዳ ግዳንን ከተማ ድሬዳዋን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓገዝ ዓይነት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ነበርቲ ዞባ ሰሜን ወሎን ኣብ ግምባር ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ናይ ዓይነት ስንቂን ሓገዝ ገይሮም፡፡

ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ነበርቲ ወረዳ ግዳን ኣብ ግምባር ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ስንቂን ካልኦት ሓገዛትን ናብ ግምባር ብምኻድ ሓገዝ ገይሮም።

ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ ኲናት ክሳብ ዝዛዘም ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም።

ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ብተመሳሳሊ ነቲ ሰራዊት ልዕሊ 6 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዝግመቱ÷ ኣብዑር፣ ኣጣል፣ ከምኡ እውን ስንቂን ናውቲን ዘካተተ ሓገዝ ኣመራርሓታት እቲ ምምሕዳር ኣብ ቢሾፍቱ ተረኺቦም ኣረኪቦም፡፡

ኣብ ካልኣይ ዙር ዝተገበረ ሓገዝ ካብ ነበርቲን ሰብ ሃፍቲ እቲ ምምሕዳር ከተማን ካብ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ዝተኣከበ እንትኸውን÷ እቲ ሓገዝ ክሳብ ፍፃመ እቲ ኲናት ከምዝቕፅል ኣብቲ እዋን ተገሊፁ።

ብለይኩን ኣለም፤ ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.