Fana: At a Speed of Life!

ኢራን ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ብዝብል 45 ሺሕ እሱራት ብግዚያዊነት ፈቲሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢራን ዝርገሐ ቫይረስ ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ብዝብል ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝርከቡለን ኣቢያተ ህንፀት ዝርከቡ 45 ሺሕ እሱራት ብግዚያዊነት ምፍተሓ ተገሊፁ።

እቶም እሱራት ምርመራ ተገይሩሎም ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ምስተረጋገፀ ከምዝተፈትሑ ኣቐባሊ ቓል ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ጋሆላምሆሴን እስማኤሊ ተዛሪቦም።

እቲ ውሳነ፥ ምስ ጉዳይ ድሕንነት ተተሓሒዙ ዝተኣሰሩን ልዕሊ ሓሙሽት ዓመት ዝተበየነሎም እሱራት ዘየካትት ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብ ኢራን ክሳብ ሕዚ ብለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮቪድ-19 77 ሰባት ህይወቶም ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ልዕሊ 2 ሺሕን 336 ዜጋታት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኢዮም።

ካብዚ ዝተልዓለ ድማ ኢራነ ካብ ቻይና ቀፂላ በቲ ቫይረስ ልዑል ጉድኣት ዝበፅሓ ሃገር ምዃና ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.