Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት መንእሰይ ትግራይ ናብ ኩናት እናዳጎነ የፅንቶ ኣሎ ዕጡቓት ጉጀለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት መንእሰይ ትግራይ ናብ ኩናት እናዳጎነ የፅንቶ ኣሎ ክብሉ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢዶም ዝሃቡ ዕጡቓት እቲ ጉጀለ ገሊፆም፡፡

ኢዶም ዝሃቡ ዕጡቓት እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጀለ ከምዝበልዎ÷ “ብፀላእቲ ተኸቢብና ኢና እናበለ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንደን ኣገዲዱን መንእሰይ ናብ ኩናት እናዳጎነ ክፀንት ይገብር ኣሎ” ኢሎም፡፡

እቶም ምሩኻት ወሲኾም÷ ኣብቲ ኩናት ህፃናት፣ ኣዴታትን ኣረጋውያንን የሳትፍ ከም ዘሎ ዝገለፁ እተኾኑ፤ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጀለ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ኩናት ክበርስ ብምግበር ትግራይ ብዘይ ተተካኢ መንእሰይ ወለዶ ክተርፍ ይገብር ከምዘሎን ብዙሓት መናእሰይ ኣብ ዓውደ ኩናት ኣካለ ጎደሎ ከምዝኾኑን ሓቢሮም፡፡

መንእሰይ ትግራይ ኣብ ዓውደ ኩናት ኣትዩ ካብ ምጥፋእ ክተርፍ ስለዘለዎ ናብ ኩናት ክኣቱ ክምዘይብሉ ብምሕባር፤ ሓደ ሓደ ወገናት ብፕሮፓጋንዳ እቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተደናጊሮም ካብ ምድጋፍ ተዓቂቦም እቲ መንእሰይ ካብ ሞትን መውጋእትን ከድሕንዎ ተላብዮም፡፡

ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ዝለኣኽ እክሊ እቲ ጉጀለ ግብረ ራዕዲ ንኩናት ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ዘቃልዑ ዕጡቓት እቲ ጉጀለ÷ ህዝቢ ግን ብጥምየት ይውዳ ከምዘሎ ተዛሪቦም፡፡

“ራዕዳዊ ጉጀለ ህወሓት ናይ ሰብ ማዕበል ተጠቂሙ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ኩናት ብምጥሓስ፤ መናእሰይን ህፃናትን ኣብ ዓውደ ኩናት ኣገዲዱ ክኣትዉ ብምግባር የፅንቶም አሎ፤ ነዚ እናረኣየ ስቕታ ዝመረፀ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ጉጀለ ግብረ ራዕዲ ደው ከብሎ ይግባእ” ክብሉ ገሊፆም ክብል ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.