Fana: At a Speed of Life!

ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንመከላኸሊ ሰራዊት ሀገር ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ብር ዝዋገኦም እንስሳት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንመከላኸሊ ሰራዊት ሀገር ንምግብነት ዘዉዕሉ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ብር ዋጋ ዘለዎም እንስሳት ሓገዝ ገይሩ፡፡

እቲ ሓገዝ÷ ሓለፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ይስሃቅ ኣብዱልቃድርን ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ህንፀት ሰላምን እቲ ክልል ኣብዮት ኣለቦሮን ኣብ መበል 22 ክፍለ ሰራዊት ተረኺቦም ኣረኪቦምዎ፡፡

ሓለፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ይስሀቅ አብዱልቃድር÷ መንግሰቲ እቲ ክልል ንሃገሩ መስዋእትነት እናኸፈለ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም፡፡

ምክትል ኣዛዚ መበል 22 ክፍለ ሰራዊት ኮሎኔል ቡሽራ ሳኒ ብግደኦም÷ ህዝብን መንግስትን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ንዝገበርዎ ሓገዝ ብምምስጋን እቲ ሓገዝ ነቲ ሰራዊት ብዝበለፀ ከምዘበረታትዖ ምግላፆም ካብ ኮሚኒኬሽ እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.