Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክልል ዓፋር 14 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክልል ዓፋር 14 ሚሊየን ብር ናይ ዓይነት ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ÷ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይዘሮ ሎሚ በዶ ኣብ ከተማ ሰመራ ተረኺበን ንርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣረኪበንኦ፡፡

ወይዘሮ ሎሚ በዶ÷ እቲ ዝተበርከተ ሓገዝ ተመረፅቲ ኮከስ ደቂ ኣንስትዮ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብቲ ክልል ብኲናት ንዝተመዛበሉ ወገናት ዘተኣኻኸበኦ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ሓገዝ 14 ሚሊየን ብር ዝግመት ዝተፈላለዩ ክዳውንቲ፣ ፓስታ፣ ዘይቲ ብልዒን ምሸላባሕሪን ዘካተተ ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.