Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሃረሪ ብ1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ንዝህነፅ ቢሮ እምኒ ኩርናዕ ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ ብ1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ንዝህነፅ ቢሮ እምኒ ኩርናዕ ተነቢሩ።

እቲ እምኒ ኩርናዕ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ፣ ኣብ ፓርቲ ብልፅግና ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልል ሃረሪ ኣይተ ኣብዱጀባር መሓመድን ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር እታ ክልል ወይዘሮ ሚሴራ ኣብደላን ብሓባር ኣምቢረሞ።

ኣይተ ኦርዲን በድሪ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተዋሃቦ ኣማራፂ ሰላም ነፂጉ ዝኸፈቶ ኲናት ምስ ምምካት ጎኒ ንጊኒ ስራሕቲ ልምዓት ምቅልጣፍ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ህንፃ ኣብታ ክልል ዝርአ ሕፅረት ቢሮ ዝቐረፍን ንክራይ ቢሮ ዝወፅእ ወፃኢ ዝንኪ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣገልግሎት ዘቀላጥፍ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሓፂር እዋን ህንፀቱ ንክዛዘም ኣብታ ክልል ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ዝረኣዩ ፀገማት ምቕራፍን ብቕልጡፍን ብፅሬትን ምዝዛም ወሳኒ ምዃኑ ብምግከላፅ፥ ንውፅኢታውነት እቲ ፕሮጀክት ዝምልከቶም ኣካላት ግድኦም ንክዋፅኡ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ኣብ ልዕሊ 2 ሽሕ 400ን ካሬ መሬት ዝዓረፈ እቲ ህንፃ፥ ብዓል 15 ደብሪ ኢዩ።

ኣብ ውሽጡ ቢሮታት ሓዊሱ፥ መዘናግዕታትን ካልኦት ማእከላትን ዝሓዘ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ህንፀት ኣብ 1 ዓመትን 6 ወርሒ ንምዝዛም ምትላሙ ካብ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እታ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.