Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሸሊኹ ኣብ ዝኣተወሎም ከባብታት ንፁሃን ብግፍዒ ይቐትል ምህላዉ ነበርቲ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕጡቓት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሸሊኾም ኣብ ዝኣተዉሎም ከባብታት ሰሜን ወሎ ንፁሃን ብግፍዒ ይቐትል ምህላዉ ነበርቲ ገሊፆም፡፡

ካብ ወረዳ ቆቦ ቀበሌ ወርቄ ብምኽንያት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ መርሳ ተመዛቢሎም ዝርከቡ ወገናት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንፁሃን ብግፍዒ ይቐትል ምህላዉ ን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሐዚ ነበርቲ ወረዳ ቆቦ ቀበሌ ወርቄ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈቶ ኲናት ብምምካት ከባቢኦም ኣኽቢሮም ነይሮም፡፡

ይኹን እንበር እቲ ዕጡቕ ግብረ ራዕዲ ሐዚ ዝኸፈቶ ኲናት ኣብ  ነበርቲ እቲ ከባቢ ሕነ ንምፍዳይ ምምፅኡ ገሊፆም፡፡

እቶም ነበርቲ ነቲ ከባቢ ነቒቖም ምስወፁ ንብረቶም እናዘረፈን ገዝኦም እናቃፀለን ንጡሃን እናቐተለን ከምዝኾነን ተዛሪቦም፡፡

ከባቢኦም ገዲፎም ዝተፀግዑሉ ህዝቢ ከተማ መርሳን ከባቢኡን ንዝገብረሎም ዘሎ ድጋፍን ወገናውነትን ኣመስጊኖም፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.