Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝፈፀሞ ዘረፋ ነዳዲ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣኽቢዱልና – ዴቪድ ቤስሊ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ መቐለ ዝርከብ መኽዚን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝፈፀሞ ዘረፋ ነዳዲ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘኽበዶ ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ዴቪድ ቤስሊ ገሊፆም።

ቀዋሚ ልኡኽ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ታየ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ እቲ ጉጅለ ዕጡቕ ዝፈፀሞ ዘረፋ እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ዘሳልጦ ስራሕ ዓብዪ ዕንቅፋት ከምዝፈጠረ ምግላፆም ፀሪሖም።

እቲ ትካል ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘካይዶ ሰብኣዊ ሓገዝ ነዳዲ፣ ካልኦት ሓገዛትን ተንቀሳቒስካ ምስራሕን ከምዝደሊ እውን ኣብሪሆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ መቐለ ናብ ዝርከብ መኽዚን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብምእታው 570 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ምዝራፉ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ተዘዋዊሩ ሓገዝ ንምግባር ከምዝተፀገመ ብተደጋጋሚ እናገለፀ ፀኒሑ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.