Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ጥዕና ዓለም ለበዳ ኮቪድ 19 ዳግም ክደግስ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ብለበዳ ኮቪድ 19 ህይወቱ ዝስእን ቁፅሪ ሰብ እንተተመናመነ እውን ዳግም ክደግስ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ከም ሓበሬታ እቲ ውድብ፥ ካብ 5 ክሳብ 11 መስከረም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ዝነበረ ሰሙን ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ብ28 ሚኢታዊት ቀኒሱ ኣሎ።

እቲ ለበዳ ንምግታእ ብዝበለፀ ምስራሕ ኣብ ዘድሊ እዋን ኢና ኢሉ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ለበዳ ኮቪድ 19 ዳግም ክደግስ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ክብል ዢንዋ ፀብፂቡ።

ይኹን እንበር ፀብፃብ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዋላ ይውሓድ ካብቲ ናብ ብቲ ውድብ ዝለኣኽ ንላዕሊ ክላባዕ ዝኽእለሉ ኩነታት ስለ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ዳግም ክደግስ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ስለዝኾነ ሃገራትን ዜጋታትን ግቡእ ጥንቃቐ ክገብራ ይግባእ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.