Fana: At a Speed of Life!

ሽርሒታት ኢኮኖሚ ንምፍታሕ ኣብ ዘላቒ ስራሕቲ ትኹረት ምግባር ይግባእ – ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ህይወት ዜጋታት ፅዕንቶ እናሕደሩ ዝቐፀሉ ሽርሒታት ቁጠባዊ ሃፍቲ ንምፍታሕ ኣብ ዘላቒ ስራሕቲ ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ተዛሪቦም።

ኣፍረይቲን ኣቕረብቲን ምስ ተጠቃሚ ብቐጥታ ኣብ ዝራኸቡሉ መገዲ ትኹረት ተገይሩሉ ክስራሕ ከምዘለዎ እውን እቶም መምህራን ቁጠባዊ ሃፍቲን ተመራመርቲ ኣገንዚቦም፡፡

ሽርሒ ኢኮኖሚ ብግዚያውነት ካብ ዘቃልሉ ጥቡቓት ስራሕቲ ቁፅፅር ብተወሳኺ፤ ኢንቨስትመንት ብዝሐሸ መልክዑ ምብርትታዕ ከምዝግባእ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ዓውዲ ንምቁፅፃር ሃገራዊ ሓላፍነት ዘለዎም መንግስታዊ ትካላት ክፍተሹ ከምዘለዎም እውን እቶም ሰብ ሞያ ሓቢሮም፡፡

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ቁጠባዊ ሃፍቲ ዶክተር ንጉሴ ስሜ፥ “ኣፍረይቲን ኣቕረብቲን ብቐጥታ ምስ ተጠቀምቲ ዝራኸቡሉ ጥንኩር ኣሰራርሕ ምዝርጋሕ የድሊ” ኢሎም፡፡

ሽርሒታት ኢኮኖሚ ኣብ ናብራ ዜጋታት ልዕሉ ፅዕንቶ እናሕደሩ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ዶክተር ንጉሴ÷ ካብ ስራሕቲ ቁፅፅር ብተወሳኺ ኣብ ስራሕቲ ቀረብ ፍርያት ንዝተዋፈሩ ኣካላት ምብርትታዕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡

ምስ ሓሳብ ዶክተር ንጉሴ ዝተስማዕምዑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወራቤ መምህር ቁጠባዊ ሃፍቲ መሓመድ ኢሳ ብግደኦም÷ ትኅክለኛ ስራሕቲ ቁፅፅርን ክትትልን ክትግበሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብኣወል ኣበራ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.