Fana: At a Speed of Life!

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2015 ዓ.ም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2015 ዓ.ም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣይተ ርስቱ ኣብ መልእኽቶም፥ “ሓድሽ ዓመት ንዕብየት ሃገርና ንተግሀሉ፣ ንዝተፀገሙ ወገናት ንሕግዘሉን ናይ ሓድነትን ዓመት ንክኸዉን ይምነ”  ኢሎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ሓድሽ ዓመት ንኢትዮጵያ ዘመነ ዕብየትን ንህዝብታታ ድማ ሓድነትን ዘላቒ ሰላምን ዝዓስለሉ ዘመን ንክኸዉን ተመኒዮም።

“2014 ዓ.ም ብዙሓት ፈተናታት ሓሊፍና ትምኒታትና ዘዐወትናሉን ብዙሓት ተግባራት ብዉፅኢት ዝሓለፍናሉን ዓመት እዩ ኔሩ” ኢሎም።

ሃገር ናይ ምፍራስ ልኡኽቶ ዝነበሮ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝገበሮ ወራር፥ ህዝቢ ክልልና ምስ መላእ ኢትዮጵያውያን ብምትሕብባር ብምምካት ልዑል ብፅሒት ምውፅኦም እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብሪሆም።

ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብክልልነት ብምውዳብ ናይ ዘመናት ሕቶኦም ዝተመለሰሉ ዓመት ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኺሮም።

ከም ሃገር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብርክት ዝበሉ ተጓንፎታት’ኳ እንተነበሩ፥ኩሉ ብሓባር ደው ብምባል ሽርሒ ራዕዳውያን ኣፈሺልና ሐዚ ናብ ዘለናሉ እዋን በፂሕና ኢና ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ፣ ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ሶማሌ  ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2015 ዓ.ም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.