Fana: At a Speed of Life!

 ዓወትና ብፃዕርና ይዕቀን። ልዑል ዓወት ኣብ ድሕሪኡ ዓብዪ ዋጋ ዝኽፈሎ ኢዩ-ሚኒስትር ታከለ ኡማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉመን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓወትና ብፃዕርና ይዕቀን። ልዑል ዓወት ኣብ ድሕሪኡ ዓብዪ ዋጋ ዝኽፈሎ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ዕደና ፌዴሪኢ ታከለ ኡማ ገሊፆም።

ዝሓሸ ፅባሕ ንመፃኢ ትውልዲ ንምርካብ ዘለና ሃፍቲ ሰብን ተፈጥሮን ምስ ቴክኖሎጂ ብምውዳድ ዝገጥመና ፈተና ናብ ዝሓሸ ዕድልን ተስፋን ንምልዋጥ ንረባረብ ኢሎም።

እቶም ሚኒስት ሎሚ መዓልቲ ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ኣፍራይነት ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ከብ ንምባል እታዎታት ዕደና ዝፅበያ ኢንዳስትሪታት ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ብበዝሒ ይፅበዩ ኣለዉ ክብሉ ገሊፆም።

ሕድሕድ ሰዓት ንፅባሕ እወንታዊ ኣሰር ንምንባር ዋጋ ኣለዋ ብምባል፥ ሓዱሽ ዓመት ካብ ድርኡ ጀሚርና ብሓዱሽ ትልሚ ብዝለዓለ ተስፋ ንልዑል ሸቶ ንተሓባበር ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.