Fana: At a Speed of Life!

ዘመዝገብናዮ መፍረያይነት ስርናይ እንተኣጠናኺርና ብምግቢ ንባዕልና ክኢልና ንዞባና መሶብ ባኒ ክንከውን ኢና – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ክሳብ ሕዚ ዘመዝገብናዮ መፍረያይነት ስርናይ እናጠናኸርናን እናስፋሕፋሕናን እንተኸይድና፤ ብምግቢ ንባዕልና ክኢልና ንዞባና መሶብ ባኒ ክንከውን ንኽእል ኢና” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒሰስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሎሚ መዓልቲ እናተኸበረ ዝርከብ መዓልቲ መፍረያይነት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኢዮም እዚ ዝበሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክረምታዊ ማእቶት 2015 ዓ.ም ፍርያት ሕርሻ ስርናይ ሓዊሱ ካብ ኩሎም ፍርያታት ዝራእቲ ብትሑት ትሕዝቶ ሓረስቶትን ኣርባሕቲን 400 ሚሊየን ኩታል ንምፍራይ ተተተሊሙ፡፡

ኣብ እዋን ሕርሻ ፅድያ ድማ 2 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብምልማዕ 63 ነጥቢ 2 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ትፅቢት ይግበር፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ቅድሚ ሕዚ ከምዝገለፁዎ፥ ዘይሕረስ መሬት ብምሕራስ ብኩታ ገጠም ሕርሻ ስርናይ ባዕልና ንምኽኣል ሰፊሕ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ።

ዕቤት ልምዓት ሕርሻ መሰረት ስለዝኾነ፥ ብፍሉይ ትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነን ብእታወትን ምትእስሳር ዕዳጋን ውፅኢታዊ ንኽኸውን ክግበር ኢዩ ምባሎም ይዝከር፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.