Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ምክትል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ስዊዘርላንድ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ምክትል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ስዊዘርላንድ ሲሪ ዋልት ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም  ሰዊዘርላንድ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጊዚያዊ ኣባል ብምዃን ብምምራፃ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስዊዘርላንድ ኣብ ኣጀንዳታት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ልክዕ ከም ቀደማ ሚዛናዊን ምኽንያታዊን ቅዋም ከምእትሕዝ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት መብርሂ ዝሃቡ ኣይተ ደመቀ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ድርድር ሰላም ንምቕፃል ቁርፀኛ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ጎኒ ንጎኒ እቲ ድልየት ሰላም መንግስቲ ልኡላውነት እዛ ሃገር ንምሕላውን ካብ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ዜጋታት ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ኣብ ምክልኻል ከምዝኾነ ምብርሆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.