Fana: At a Speed of Life!

9ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ፖሊሲ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)9ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ፖሊሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየር፣ ኣብ መሰልን ተሓታትነትን ህፃናት ኣፍሪካ ትኹረት ገይሩ እናተኻየደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ኣፍሪካ ፅዕንቶ ለውጢ ንብረት ኣየር ንምክልኻልን ምላሽ ንመሃብን ኣብ ዘድልዩ ፍልፍላት ገንዘብን ፖሊሲታት ኢኮኖሚን ኣድላይነቶም ንምርኣይ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ፥ ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ሃገራት ኣፍሪካ፣ ሓለፍቲ ስራሕ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን፣ ሰብ ሞያ መሰል ህፃናትን ትካላት ሲቪክ ማሕበራትን ከምዝኾኑ ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

ሚኒስትር እቲ ሚኒስቴር ዶክትር ኤርጎጌ ተስፋየ ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበረኦ መደረ፥ ብምኽንያት ፅዕንቶ ለውጢ ንብረት ኣየር ህፃናት ኣፍሪካ ሓለዋ መሰል፣ ጥዕናን ትምህርቲን ናይ ምርካብ መሰሎም ከምዝተጥሓሰ ገሊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.