Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሱዳን ፌስቲቫል “መዓልቲ ምሕዝነት ህዝቢታት ኣፍሪካ” ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌስቲቫል “መዓልቲ ምሕዝነት ህዝቢታት ኣፍሪካ” ኣብ ሱዳን ዓለም ለኸ ቤት ምኽሪ ምሕዝነት ተኻይዱ።

ኣብቲ ፌስቲቫል ተቐማጥነቶም ካርቱም ዝገበሩ ኤምባሲታት ሃገራት ኣፍሪካን ዜጋታቶምን ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ፡፡

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳንን ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ባህላዊ ምግቢ፣ ስነ-ስርዓት ኣፈላልሓ ቡን ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ባህላዊ ሳዕስዒታትን ንዕዱማት ኣቕሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵየያ፣ ንግዲን ቱሪዝምን ኣማራፂታት ናይ ምፍላጥ ስራሕቲ ተሰሪሑ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ይበልጣል ኣእምሮ ኣብቲ ፌስቲቫል ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ኣፍሪካውያን ዘለዎም ሰፊሕ ሃፍቲ ንምፍላጥን ሕድሕዳዊ ምትእስሳሮምን ንምድንፋዕ ረብሓ እቲ መድረኽ ዕዙዝ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ቤት ምኽሪ ምሕዝነት ሱዳን፥ ባህላዊ ምትእስሳርን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምጥንኻር ዝገብሮ ፃዕሪ እውን ንኢዶም፡፡

እቲ ፌስቲቫል ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ፅቕ ዕድል ከምዝፈጠረ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.