Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ዳግም ኲናት ምኽፋቱ ኣብ ዝባን ህዝቢ ትግራይ ብምዃን ብምባል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ከምዝኾነ ምሩኻት ኣቃሊዖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳግም ኲናት ምኽፋቱ ኣብ ዝባን ህዝቢ ትግራይ ብምዃን ብምባል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ከምዝኾነ ኢዶም ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ዝሃቡ ምሩኻት ኣቃሊዖም።

እቶም ምሩኻት ከምዝሓሩዎ ህፃናት ትግራይ እንተይተረፈ ናብ ኲናት እናኣጎደ ከምዝርከብ ዝርከብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብናይ ሓሶት ተረኽ ንመንእሰይ ትግራይ ባዕሉ ናብ ዝኣጎዶ ኲናት እናእተወ እቲ ክልል ወለዶ ኣልቦ ናይ ምግባር እኩይ ዕላምኡ ይደፍአሉ ኣሎ።

እዚ ተግባሩ ትኽክለኛ ባህሪ ባንዳነት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብጭቡጥ ዘረጋገፀ ከምዝኾነ እውን እቶም ምሩኻት ተዛሪቦም።

እቶም ሙሩኻት፥ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ህፃናትን እናፈፀሞ ዝርከብ ስቓይን ምንግልታዕን ብምቅዋም ብፕሮፓጋንዳ ተታሊሎም ካብ ዝኣተዉዎ ኲናት ብምውፃእ ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ኢዶም ከምዝሃቡ ገሊፆም፡፡

ኣማራፂ ሰላም ብሰፊሑ ቀሪቡሉ ኲናት መሪፁ ህፃናት እንተይተረፈ ናብ ኲናት እናእተወ ዝርከብ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ፥ ናይ ባዕሉ ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ጥፍኣት ካብ ምፍፃም ንደሓር ከምዘይብል እቶም ሙሩኻት ኣረጋጊፆም።

ልዕልና ትግራይ ዝረጋገፅ ኣብ መቓብር ኢትዮጵያ ኢዩ” ብዝብል ቀቢፀ ተስፋ ብምብጋስ ኢትዮጵያ ንምፍራስን ህዝባ ንምብታንን ዳግም ኲናት ይኽፈት እምበር ዕላማ ዘይብሉ ስለዝኾነ ኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከንቱ ስለዝኾነ ኢዶም ንመሃብ ከምዝተገደዱ ተዛሪቦም።

ብናይ ሕሶት ወረን ፕሮፓጋንዳን እቲ ጉጅለ ተታሊሎም ብምስላፍ ንዝፈፀሙዎ ጥፍኣት ብምንሳሕ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ይቕሬታ ዝሓተቱ እቶም ሙሩኻት፥ ዕላማ ከንቱ ዓርሰ ፍትወት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ዝተሰለፉ መናእሰይ ትግራይ እውን ዝጓዓዙሉ መገዲ ብፍፁም ከምዘየዋፅኦም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ሙሩኻት፥ ብሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታን ንዝተገበረሎም ፅቡቕ ኣቀባብላን ክንክንን ኣመስጊኖም፡፡

ካብ ኲናት ክሳራ እምበር ትርፊ ከምዘይርከብ ዝገለፁ እቶም ሙሩኻት፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንዳግም ህልቂት ዝኸፈቶ ወራር ብምኹናን ናብ ሰላም ንኽመፅእ፤ ህዝቢ ትግራይ፣ መናእሰይን ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ፅዕንቶ ክፈጥሩ ከምዝግባእ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.