Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ትምህርቲ ብምስንዳእ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝረአዩ ፀገማት ንምፍታሕ ሓዱሽ ፖሊሲ ትምህርቲ ብምስንዳእ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።

እቶም ሚኒትር ምስ ማሕበራሰብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ምይይጥ ገይሮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ እናተረኣዩ ዝርከቡ ፀገማት ብምኽንያት ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ፖሊሲ ትምህርቲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ብብዙሓት ፀገማት ዝተመልአ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሚኒትር፥ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ዝረአዩ ፀገማት ፅሬት ትምህርቲ ብቕዓትን ፍልጠትን ዘለዎ ወለዶ ምፍራይ ከይከኣል ከምዝገበረ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ 47 ሺሕ ኣቢያተ ትምሀርቲ 0 ነጥቢ 01 ሚኢታዊ ወይ እውን ሽዱሽተ ጥራሕ ንሳተን እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ መለክዒ ኣማሊአን እናምሀራ ከምዝኾና ገሊፆም።

እዚ ፀገም ንምፍታሕ እውን ሓዱሽ ፖሊሲ ትምህርቲ ብምስንዳእ ኣብ ትምህርቲ ዝረአዩ ፀገማት ንምፍታሕ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝተኣተወ ኣመልኪቶም።

ብመቅደስ ደረጀ

እዋናዊን ዝተማለአን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.