Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ብግምባር ወልቃይት ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ልዑል ክሳራ ከምዝበፅሖ ሙሩኻት እቲ ጉጅለ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ንምፍራስ ብሙሉእ ዓቕሙ ዝተበገሰ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብግምባር ወልቃይት ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ልዑል ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራ ከምዝበፅሖ ሙሩኻት እቲ ጉጅለ ተዛሪቦም።

እቶም ሙሩኻት፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘለና ዓቕሚ ተጠቒምና ወልቃይትን ራያን ክነምልስ ኢና ዓባይ ትግራይ ክንምልስ ኢና ኢሉ ናብ ኲናት ከምዘእተዎም ገሊፆም፡፡

ይኹ እምበር እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ናይ ሕልሚ ትልሙ እንተየዕወተ ሙዉት፣ ቁሱልን ምሩኽን ንምዃን ከምዝተገደደ እቶም ሙሩኻት ኣብሪሆም፡፡

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት መናእሰይን ህፃናትን ትግራይ ኣገዲዱ በቢግምባሩ ናብ ኲናት እናእተዎም ከምዝርከብ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ዝተማለአን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.