Fana: At a Speed of Life!

ተመረቐቲ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ራያ መበል 124 ዓመት ዓወት ኩናት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር ወፍሪ ፅሬት አሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ተመረቐቲ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ራያ መበል 124 ዓመት ዓወት ኩናት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር አብ ሓወልቲ ሃርበኛታት ከተማ ማይጨው ወፍሪ ፅሬት አሳሊጦም።

እቶም ንፈለማ እዋን አብ 2012 ዓ.ም ዝምረቑ ናይ ዩኒቨርስቲ ራያ ተምሃሮ፥ ማይጨው ናይ ፍቕሪ ከተማ ኢያ፣ ናይ ማይጨው ህዝቢ ዝሰርሐልና ሰናይ ተግባር ፈፂሙ ዘይርሳዕ እዩ፣ ማይጨው ተምሳሌት ምክእአልን ሓብርኻ ምንባርን እያ፣ በዓል ዓወት ዓድዋ ብወፍሪ ፅሬት እንትነኽብሮ ብዝለዓለ ደስታ እዩ ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ አብ ቀጥሪ ሓወልቲ ሃርበኛታት ሎሚ መዓቲ ወፍሪ ፅሬት አካይዶም እዮም።

አብቲ ወፍሪ ተረኺቦም መደረ ዘስመዑ ፕረዝዳንት ዩኒቨርስቲ ራያ ፕሮፌሰር ታደሰ ደጀኔ ብወገኖም፥ ተመረቕቲ ተምሃሮና መርአያ ሰላምን ልምዓትን ኮይኖም አብ ስራሕቲ ልምዓት ተዋፊሮም ታሪኽ አያታቶም ንምዕቃብን ንምዝካርን ዝገበሩዎ ዓርሰ ተበግሶ ንኢዶም።

እቲ ተሞክሮ ናብ ካልኦት መሓዙቶም ብምትሕልላፍ እቲ ወፍሪ ፅሬት ቐፃሊነት ክህልዎ ክገብሩ ከምዝግባእ እውን እቶም ፕረዝዳንት ኣተሓሳሲቦም።

“ንፈለማ እዋን ተመረቕቲ ተመሃሮና ብምዃንኹም አዚዩ ታሪኻዊ ዝኾነ ድሙቕ ስነ-ስርዓት ምረቓ ንምግባር ሰፊሕ ምድላዋት አብ እንገብረሉ እዋን እዚ ምስራሕኩም ተወሳኺ ድምቐት ዝፈጥር ስለዝኾነ እንካዕ ደስ በለኩም” ክብሉ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.