Fana: At a Speed of Life!

ካብ ቀረፅ ናፃ ዝኾነ መሸጢ ቆርበትን ውፅኢት ቆርበትን ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ምስ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ካብ ቀረፅ ናፃ ዝኾነ መሸጢ ቆርበትን ውፅኢት ቆርበትን ብዕሊ ከፊቱ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ፡፡

እቲ መሸጢ ዱንኳ ፍርያት ኢትዮጵያ ምፍላጥን ንግዲ ወፃኢ እቲ ዘፈር ንምድንፋዕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ዓውዲ ኩለመዳይ ዕቤት ንምምፃእ ምስ መሓዙት ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

እቶት ንግዲ ወፃኢ፣ ኣጠቓቕማ ዓቕሚ ምፍራይ ብምድንፋዕን ስራሕቲ ህንፀት ምስሊን ብምስራሕን ከመ ሃገር ንዝተጀመረ “ኢትዮጵያ ተፍሪ” ሃገራዊ ምንቅስቓስ ምዕዋት እቲ ፕሮከጀክት ጋህዲ ንኽኸውን ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.