Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ሓገዝ ንወተሃደራዊ ዕላማ ምጥቃም ፍፁም ተቐባልነት ኣይብሉን-ሴናተር ማርክ ዋርነር

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ሓገዝ ንወተሃደራዊ ዕላማ ናይ ምጥቃም ሓደገኛ ኣካይዳ ፍፁም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣካቢ ሴናተር ጉዳያት ድሕንነት ኣሜሪካ ማርክ ዋርነር ገሊፆም።
እቶም ሴናተር፥ ጎንፂ ደው ብምባል ናብ ሰላማዊ መገዲ ምምላስ ይግባእ ኢሎም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣማራፂ ሰላም ዘጣየሾ ጉጅለ ከምኡውን ብምኽኒያት ደው ምባል ተዂሲ ተስፋ ወሃቢ ለውጢታት ምርኣዮምን ኣብ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ልዑል ለውጢ ምርኣዩን ኣብ ትዊተር ሒሳቦም ገሊፆም።
ይኹን እንበር ኣብ ቀረባ እዋን ዳግም ዝተርኣየ ጎንፂ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦም ተዛሪቦም።
ህወሓት ነዳዲ ብምዝማት ሓገዝ ንወተሃደራዊ ዕላማ ናይ ምጥቃም ኣካይዳ ሓደገኛን ተቐባልነት ዘይብሉን ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታት ሓገዘን መሰረታዊ ኣገለግሎታት ንከይበፅሖም ናይ ምእጋድ ወይ ምትእጉጓል ዝኾነ ይኹን ተግባር ተቐባልነት ከምዘይብሉ ድማ ተዛሪቦም።
ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ እትገብሮ ደገፍ ሰብኣዊ ለምዓት ክብ ንክብል ብተደጋጋሚ ይሓትት ኣለኹ ዝበሉ እቶም ሴናተር፥ እቲ ሐዚ ዝተወለዐ ጎንፂ ዝተጀመሩ ዝተባብዑ ስራሕቲ ኣብ ስግኣት
ንክወድቁ ዝገብርን ህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ ዝኸፍአ ፀገም ዘእቱን ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ዝምልከቶም ኣካላት እቲ ጎንፂ ደው ብምባል ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክብ ንክብልን እቲ ጎንፂ ብዘላቕነት ደው ንክብልን ፃዕሪ ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ በይናዊ ደው ምባል ተፃብኦ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምጥሓስ ከይዲ ኣማራፂ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ይፍለጥ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.