Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ጉዳይ ሉኣላዊነት ሃገር ዘይደራደሩ ምዃኖም መርኣያ ኢዩ – ፕሬዚዳን ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ጉዳይ ሉኣላዊነት፣ መሰልን ናፅነትን ሃገር ዘይደራደሩ ምዃኖም መርኣያ ከምዝኾነ ፕሬዚዳን ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

መበል 124 ዓመት ዓወት ዓድዋ፥ ባዕዳዊ ወራሪ ጣሊያን ኣብዝተስዓረሉ ከተማ ዓድዋ ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ ውዒሉ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፥ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም፣ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው፣ ተወካሊ ማሕበር ጀጋኑ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣለማየሁ ታደለ፣ ተወካሊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሃሪሰን ቪክተርን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲሰ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

ብተወሳኺ ካብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ተበጊሶም ንዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ብእግሮም ዝተጉዓዙ ተሳተፍቲ፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ብዙሓት ነበርቲ ከተማ ዓድዋን ከባቢኣን እውን ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ኢዮም።

ናይ ክብሪ ጋሻ እቲ በዓል ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዘመሓላለፈኦ ምልእኽቲ፥ በዓል ዓወት ዓድዋ ንባዕዳዊ ወረርቲ ምስዓር ከምዝከኣል ዘበሰረን ፋና ናፅነት ክውላዕ ዝገበረን በዓል ኢዩ ኢለን።

ዓወት ዓድዋ ካብ ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ፀገም ንላዕሊ ቅድሚያ ናፅነት ኢትዮጵያ ኣድህቦ ብመሃብ ናፃ ሃገር ክትቅፅል ምግባር ከምዝተኽኣለ እውን ኣብሪሀን።

እቲ በዓል፥ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ጉዳይ ሉኣላዊነት፣ መሰልን ናፅነትን ሃገር ዘይደራደሩ ምዃኖም መርኣያ ከምዝኾነ እተን ፕሬዚዳንት ገሊፀን።

በዓል ዓወት ዓድዋ እንተተደማሚፅናን እንተተዛቲናን ክንወፅኦ ዘይንኽእል ማሕለኻ ከምዘየለ ዝምስክር በዓል ኢዩ ዝበላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ በቢዓመቱ እነኽብሮ በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ጉዕዞ መዓልታዊ ህይወትና ክንጥቀመሉ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲበን።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብግደኦም፥ ኣብ ዓድዋ ዝተሰርሐ ኣንፀባራቒ ዓወት ፍልፍል ብዙሕ ትምህርቲን ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ረብሓ ዘለዎ ታሪኻዊ ዓወትን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን፥ ክብሪ፣ ብሄራዊ ረብሓ፣ ህልውናን ሉኣላዊነትን ሃገሮም ምሕላው ግቡእን ሓላፍነትን ከምዘለዎም ብምርዳእ ኢትዮጵያ ክወርር ንዝመፅአ ልዑል ዓቕሚን ስልጠናን ዘለዎ ሰራዊት ጣሊያን ኣብ ዓድዋ ብምግጣም ነቲ ኲናት ብዓወት ክዛዝሙዎ ከምዝኸኣሉ ኣብሪሆም።

ክዕወቱ ብምኽኣሎም ድማ ድኹማት ተባሂሎም ዝፅርሑ ዝነበሩ ህዝቢታት ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር ንናይ ሓባር ህዝባዊ ዕላማ እንተተላዒሎም ክግመት ዘይኽእል ውፅኢት ከምዝግቡ ከምዝኽእሉ ዓድዋ ምስክር ኢያ ኢሎም።

“ዓወት ዓድዋ ንፅዕንቶን ኢድ ኣእታዊነትን ወፃኢ ዘይንምብርከኽ ንናፅነትና ዘድሊ ኩሉ ነምኽፋል ንደሓር ዘይንብል ህዝቢ ምዃንና ዘርኢ በዓል ኢዩ” ኢሎም።

ዘመናዊ መሳርሒ ኲናጥ ምዕጣቕን ዘይምዕጣቕን፣ በዝሒን ዋሕዲን ሰራዊት፣ ምስልጣንን ዘይምስልጣንን ነነናይ ባዕሎም ኣሉታዊን ኣሉታዊን ፅዕንቶታት ዋላ እንተ ሃለዎም፥ ንህዝባዊ ሓድነት፣ እምነትን ናፅነትን ሒዙ ዝተቓለሰ ዓወት ከምዝዓትር ካብ ዓወት ዓድዋ ክውሰድ ዝኽእል ትምህርቲ ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ኢድ ኣእታዊነት ወፃኢ ብዕቱብ ክረአ ከምዝግበኦን ንኲናት ዓደዋ ምኽንያት ዝኾነ ውዕሊ ውጫሌ ትምህርቲ ምውሳድ ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።

ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ናይ ዓበይቲ ሃገራት ኢድ ኣእታዊነት፥ ፍልፍል ፀገም ሉኣላዊነትን መፈፀሚ ካልኦት ጂኦፖለቲካዊ ዕላማታትን ከይኾን ብብስለትን ብጥንቃቐን ክረአ ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ።

ዓወት በዓል ዓድዋ ኣብ ረብሓ ህዝቢን ምዕቃብ ታሪኽን ከምኡ እውን ከተማ ዓድዋ ማእኸል ምርምርን መፅናዕቲን ንምግባር ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካ ንምጅማር እምነሰረት ከምዝተነበረ ዝገለፁ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ እቲ ትልሚ ምንዕዋት ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ኣስተዋኦ ከበርክት ይግባእ ኢሎም።

መንግስቲ ትግራይ ንህንፀት ኢቲ ኒቨርሲቲ ኣድላዪ ዘበለ ሃገዘ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ በዓል፥ ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው፣ ተወካሊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ተወካሊ ማሕበር ጀጋኑ ሓርበኛታት ኢትዮጵያን እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.