Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ዕድመ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ንምንዋሕ ነዳዲ ኲናት ክኸውን የብሉን- ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ ዕድመ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ንምንዋሕ ነዳዲ ኩናት ክኸውን የብሉን ክብል ፓርቲ ብልፅግና ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ቅድሚ ሕዚ ካብ ምፍሳስ ደም መናእሰይ ትግራይ ንላዕሊ ዝረኽቦ ነገር ከምዘየለ ብተግባር ከምዝረኣየ ዝገለፀ እቲ ፓርቲ፥ ቅድሚ ሕዚ ዕድመኦም ንኲናት ዘይኣኸለ ህፃናት ሓዊሱ መናእሰይ ናብ ኲናት  ብምእጓድ ዘካየዶም ተኸታተልቲ ውግኣት ህዝቢ ካብ ምጽናት ሓሊፉ ካልእ ረብሓ ኣየምጽአን ክብል እቲ ፓርቲ ገሊፁ።

መራሕቲ ህወሓት ንኢትዮጵያ ናይ ምዝራግን ምብትታንን ዘለዎም ድሌት ፈፂሙ ከምዘይፍፀም ተገንዚቦም ናይ ጥፍኣት ኣእዳዎም ንክእክቡ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ንኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ንምጥፋእ ዝሓሰቦ ስትራተጂ ጥፍኣት ከምዘይሰርሕ ብምግንዛብ እቲ ጉጅለ ፃውዒት ሰላም ንክቕበል ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ሓላፍነት ከምዘለዎ እቲ ውድብ ገሊፁ።

እዚ ሓይሊ ጥፍኣት ናብ ድርድር ሰላም ንክምለስ ብዝተፈላለዩ መማረጽታት ፅዕንቶ ክግበረሉ ከምዝግባእ እውን እዩ ተሓቢሩ።

ህዝቢ ትግራይ ዕድመ እቲ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ንምንዋሕ ጥራሕ ናብ ኲናት ክእጎድ ከምዝፀንሐ ዝገለፀ እቲ ፓርቲ፡-  እዚ ድማ ክቕፅል የብሉን ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.