ጉዳይ ትግራይ ብዘላቕነት ፍታሕ ክረክብ ዝኽእል ብኢህን-ምሂን ጥራሕ ኢዩ-ዶክተር ኣብረሃም በላይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉዳይ ትግራይ ብዘላቕነት ፍታሕ ክረክብ ዝኽእል ብኢህን-ምሂን፣ ብዘተን ሰላማዊ መንገድን ጥራሕ እዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገርን ዶክተር ኣብረሃም በላይ ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያኦም ንመላእ ህዝብና ብፍላይ ድማ መናእሰይን ዕሸላትን ትግራይ በዝብል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ብዛዕባ ህዝቢን መንእሰይን ትግራይ ክንዲ ፍረ-ጣፍ ዘይግደስ ሓይሊ ጥፍኣት ጉጅለ ሕወሓት፣ ካብ ሕሉፍ ህልቂት፣ መከራን ዕንወትን ከይተምሃረ፣ ሕዚእውን መንእሰይ ትግራይ ናብ ዕላማ ዘይብሉ ሓዱሽ ምዕራፍ ዂናት እናዳጎኖ ይርከብ ኢሎም።
መንግስቲ ፌደራል ንሰላም ዘርኣዮ ቁሩብነትን ዘቕረቦ ፃውዒትን ነፂጎም፤ ህዝቢ ትግራይ ተስፋ ዝገበረሉን ተሃንጥዩ ዝፅበዮ ዝፀንሐን ሰላማዊ መማረፂ ገዲፎም ሎሚ መጥቃዕቲ ጀሚሮም ኣለዉ ክብሉ እውን ኣብሪሆም።
ስለዝኾነ “ዝኸበርካ ህዝቢን መንእሰይን ትግራይ፣ ጀሚሮምዎ ዘለዉ መንገዲ ጥፍኣትን ዕንወትን ኮኒንካ፣ ዂናት ደው ኣቢሎም ናብ ሰላማዊ ልዝብ ክምለሱ ፅዕንቶ ምፍጣር አገዳሲ እዩ” ኢሎም።
እዚ ድማ አብዝኾነ ይኹን ኩርናዕ ዘሎ ሕድ ሕድ ትግራዋይን ፈታዊ ህዝቢ ትግራይን ስራሕ ክኾን ይግባእ ክብሉ ድማ ኣገንዚቦም።
ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ በሰላ ዂናትን ረብሓ ሰላምን ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጥ አይክህሉን ዝበሉ ዶክተር ኣብረሃም፥ ዕሸላት ናብ ሓዊ እናሳወርካ ረብሓ ከምዘይህሉ ተዛሪቦም።
ሐዚ እውን ከይረፈደ ንሰላም ዘብዒ ደው ክበሃል ይግባእ፤ ነዚ ድማ መንእሰይ ትግራይ ልዑል እጃም ክዋፃእ ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።