ንህወሓት ዝኸውን ኣፅዋራት ኲናት ብምፅዓን ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ጥሒሱ ዝኣተወ ኣውሮፕላን ተወቒዑ ከምዝወደቐ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምድኻም ኢትዮጵያ ዝደሊዩን ነዚ ንምዕዋት ንዘበናት ዝተንቀሳቐሱን ህወሓት ዝድግፉ ዘለዉ ታሪካዊ ፀላእቲ ንብረት ምዃኑ ዝእመነሉ ኣውሮፕላን ነቲ ግብረ ራዕዲ ዝኸውን ኣፅዋራት ኲናት ፅዒኑ ብኣንፈት ሱዳን ብምሕላፍ ናይ ኣየር ክልልና ጥሒሱ እንትኣቱ ብጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተወቒዑ ከምዝወደቐ ተገሊፁ።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሉእላውነት ሃገሩ ንምኽባር ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ድልው ከምዘኾነ ተሓቢሩ።
ኣብ ዋና መምርሒ ምውፋር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓላፊ ምውፋር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጀኔራል ተስፋዬ ኣያሌው ንግዜኢ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ልዑል ወተሃደራዊ ልምምድ እንትገብር ዝፀንሐ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጀሚሩ ሓይሉ ንኲናት እንተፀግዕ ነይሩ።
በቢእዋኑ ተዂሲ እናኸፈተ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር እንትትንኩስ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።
18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ሰዓት 11 ለይቲ ኣብ ቆቦ የማነ ፀጋም ዘለዉ ከባቢታት፣ ዞብል እንባ፣ ቢሶበርን ወትወትን ኲናት ምኽፋቱ ገሊፆም።
በዚ ድማ ስምምዕነት ደው ምባል ተኹሲ ከምዘፍረሰ ሓቢሮም።
እቲ ግብረ ራዕዲ ዝልእኾ ዘሎ ጀሌ ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ይልብለብ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ምድኻም ኢትዮጵያ ዝደሊዩን ነዚ ንምዕዋት ንዘበናት ዝተንቀሳቐሱን ህወሓት ዝድግፉ ዘለዉ ታሪካዊ ፀላእቲ ንብረት ምዃኑ ዝእመነሉ ኣውሮፕላን ነቲ ግብረ ራዕዲ ዝኸውን ኣፅዋራት ኲናት ፅዒኑ ብኣንፈት ሱዳን ብምሕላፍ ናይ ኣየር ክልልና ጥሒሱ እንትኣቱ ሰዓት 4 ምሸት ብጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተወቒዑ ከምዝወደቐ ገሊፆም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ ናይ ምጥቃዕ ስጉምቲ ከምዝህሊ ሓቢሮም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።