Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ መርኣያ ንልምዓት ዘለና ቁርፀኝነት ኢዩ -ኣምባሳደር ስለሺ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መርኣያ ንልምዓት ዘለና ቁርፀኝነት ኢዩ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዋሽንግተን ስለሺ በቀለ ተዛሪቦም።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ መድረኽ ምትእኽኻብን ምስጋናን እቶት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣሳሊጡ።

ብመሰረት እዚ ለዕሊ 70 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ተኣኪቡ።

ብድረ ገፅ “ማይ ገርድ ዶት ኮም” (www.mygerd.com) ዝተኣከበ 310 ሺሕ ዶላር እውን ንመንግስቲ ኣታዊ ኮይኑ።

አምባሳደር ስለሺ፥ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ንህዳሴ ግድብ ብገንዘብ፣ ፍልጠት፣ ውግንና፣ ምልዕዓል ማሕበራዊ ገፃት፣ ምርምርን ካልኦት ዓውዲታትን ዝገብርዎ ዘለዉ ደገፍ ንኢዶም።

ግድብ ህዳሰ መርኣያ ንልምዓት ዘለና ቁርፀኝነት ኢዩ ክብሉ እወን ተዛሪቦም።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ መልእኽተኛ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ብግደኦም፥ ኩሉ መዳይ ረብሓ ገድብ ህዳሰ ንሕልምታት ለውጢን ምዕባለት ኢትዮጵያ ክነውዕሎ ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.