Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑ ግድፈት ስነ ምግባር ፈፂሞም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ዳያኑ ስጉምቲ ወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ምምሕዳር ዳያኑ ፌዴራል ግድፈት ስነ ምግባር ፈፂሞም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ክልተ ዳያኑ ስጉምቲ ድስፕሊን ከምዝወሰደ ገሊፁ።

እቲ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ህፁፅ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ኣኼባ ዳይና ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝኾኑ ኣይተ ፋንታሁን ደለለው ካብ ስራሕቲ ዳይነት ክሰናበቱ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብተወሳኺ ኣብ ልዐሊ ካሊእ ዳይና ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ መሃየኦም ንክቕፅኡ ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ተገሊፁ።

ኣይተ ፋንታሁን፥ ምስ ወይዘሮ ሳጅዳህ ዘካሪያስ ካብ ዝተብሃላ ኣመልካቲት 100 ሺሕ ብር ብምቕባልን ብኣካል ምስ በዓልቲ ጉዳይ ብምርኻበን ብዛዕባ እቲ ዝሓዝዎ ጉዳይ ብምዝታይ ተነፃፃሪ መትከል ሓቂን ገለልተኝነትን ግዴተኦም ብምትሕልላፍ ከቢድ  ጉድለት ስነምግባር ምፍፃሞም ብማስረጃ ከምዝተረጋገፀ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ብመሰረት ደንቢ ስነ ስርዓት ቁፅሪ 3/2014 ዓንቀጽ 34(3) እቲ ጉባኤ ብሙሉእ ድምፂ ካብ ሓላፍነቶም ክሰናበቱ ወሲኑ።

እቲ ውሳነ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 79 ንኤስ ዓንቀፅ ቁፅሪ 4/ሐ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ እንትፀድቕ ተግባራዊ ከመዝኸውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.