Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቴክኖሎጂ “ቴክስት ሪኮግኒሽን” ብምትሕብባር ንምስራሕ ምስ ዩኒቨርሲቲ ቻይና ስምምዕነት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኣብ ቴክኖሎጂ “ቴክስት ሪኮግኒሽን” ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእሎ ሰነድ ስምምዕነት ምስ ዩኒቨርሲቲ ቻይና ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ሁዌዦንግ ተፈራሪሙ፡፡

እቲ ስምምዕነት ኣብ ሪኮግኒሽን ቴክኖሎጂ ቴክስት ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኣፍሪካን ምትሕብባር ንኽህሉ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ስምምዕነት ልምዓት ሓይሊ ሰብ ትኹት ዝውሃቦ ጉዳይ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ብምዃኑ ድማ ኣብ ምትሕብባር ትምህርቲን ቴክኖሎጂን ብጥምረት ንምስራሕ ከምዘኽእል ኣብቲ ስምምዕነት ተገሊፁ፡፡

እቲ ኢንስቲትዩት ምስቲ ዩኒቨርሲቲ ብምትሕበባር ኣፍሪካዊ ፅሑፋት ምስ ቴክኖሎጂ ንምትእትታው ዘኽእሎ ዳታ ናይ ምልማዕ ተግባር ከሳልጥ ኢዩ ምባሉ ካብቲ ኢንስቲትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.