Fana: At a Speed of Life!

ዘይተፈንጀረ ቦምባ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓደ ሩባ ኢጣልያ ጥሒሉ ንሓያሎ ዓመታት ከዘይተፈንጀረ ዝፀንሐ ቦምባ ካልኣይ ኲናት ዓለም ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

እቲ 450 ኪሎ ግራም ዝምዘን ቦምባ፥ ኣብ ገምገም እቲ ዝተፀንቀቐ ሩባ “ፖ” እዩ ብገፈፍቲ ዓሳ ተረኺቡ ተባሂሉ።

ሰፊሕ ክፋላት ናይቲ 650 ኪሎ ሜትሮ ዝንውሓቱ ሩባ፥ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢጣልያ ድሕሪ 70 ዓመታት ዘጋጠመ ዝኸፍአ ድርቂ ከምዝነቐፀ ተገሊፁ’ሎ።

ዘይልሙድ ውዑይ ኩነታት ኣየርን ትሑት መጠን ዝናብን ንሕፅረት ማይ ሰሜናዊ ኢጣልያ ከጋድዶ እንከሎ፥ ንስግኣት ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ ኣዛዪዱዎ ኣሎ።

ሹመኛ ሰራዊት ኢጣልያ ኮሎኔል ማርኮ ናሲ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ “እቲ ቦምባ ብገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ገምገም ሩባ ፖ ተረኺቡ” ኢሉ።

ሰበስልጣን ሰራዊት ኢጣልያ ከምዝብልዎ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተረኸበ ዘይተፈንጀረ ቦምባ ኣብ ውሽጢ 240 ኪሎ ግራም ዝምዘን ተፈንጃሪ ዝሓዘ እዩ።

ክኢላታት ምእላይ ቦምባታት፡ መስርሕ ምምካን እቲ ቦምባ ከካይዱ ብዝብል ኣብቲ ከባቢ ንዝነብሩ ኣስታት 3 ሺሕ ሰባት ካብቲ ቦታ ክወፅኡ ከምዝተገበረ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.