Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጣቢያ ኒውክሌር ዝግበር ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ተግባር ርእሰ ቅትለት ኢዩ – ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስግኣት ጎንፂ ኒውክሌር ድሕሪ ብዙሕ ዓማውቲ ዳግም ከምዘንሳዕረረ ዋናፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ገሊፆም፡፡

መንግስታት ናይ ኒውክሌር ዝተዓጠቓ ሃገራት እቲ ጦር መሳርሒ ቀዳማይ ሕርአን ክገብራ ከምዘይግባእ ሓቲቶም።

ኣብ ዩክሬን ‘’ዛፖሪዝዢያ’’ ኣብ ዝበሃል ጣቢያ ኒውክሌር ልውውጣት ተኹሲ ከምዝተገበሩ ዝገለፁ እቶም ዋና ፀሓፊ÷ “ኣብ ጣቢያ ኒውክሌር ዝግበር ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ተግባር ርእሰ ቅትለት ኢዩ” ክብሉ ኣብ ጃፓን ቶኪዮ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ተዛሪቦም፡፡

ሓይሊታት ዩክሬን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ክልል ዛፖሮዢ ዝርከብ ጣቢያ ኒውክሌር መጥቃዕቲ ፈፂሞም ክትብል ሞስኮ ምኽሳሳ ስዒቡ፤ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ካብ ኣውሮፓ እቲ ዝዓበየ ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ክበፅሕ ዝኽል ሓደጋ ኒውክሌር ኣተሓሳሳቢነቱ ገሊፆም፡፡

ኪየብ ብግደኣ÷ “ሩሲያ እቲ ትካል ንሰራዊታ ከም ጋሻ ትጥቀመሉ ኣላ” ክትብል ትኸስስ።

ጉተሬዝ ንክልቲኦም ወገናት እንተይኮነኑ ኣብ ቶኪዮ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ÷ ኣብ ጣቢያ ኒውክሌር ዝግበር ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ተግባር ዓርሰ ቅትለት ከምዝኾነ ምግላፆም ሲ ጂ ቲ ኤንን ኣርቲን ፀብፂቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.