Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ሓላፊ ዞባ ደቡብ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዲ ሸኔ ምክትል ሓላፊ ዞባ ደቡብ ዝብል ሓላፍነት ዝተውሃቦ ተጠርጣሪ ብናይ ገዛ መኪና ናብ ማእኸል ሃገር እንትጓዝ ኣብ ዞባ ቦረና ወረዳ ሞያሌ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ኮሙዩኒኬሽን ሓጋዚ ዲቪዥን እቲ መምርሒ ኢንስፔክተር ግርማ ሹሚ፥ ተጠርጣሪ መኪና ተኻርዩ ናብ ማእኸል ሃገር ንምእታው ተዳሊ መኪና እተፀበየ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብታ ወረዳ ፍሉይ ሽሙ ቦቆላ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ተዛሪቦም።

እቲ ተጠርጣሪ ካብ ከተማ ኣዳማ ብዝተለኣኸትሉ መኪና እናተጓዓዘ እናሃለወ ብፖሊስ ብዝተገበረ ሃንደበታዊ ፍተሸ 30 ሓምለ 2014 ዓ.ም ቀትሪ ሰዓት 8 ክተሓዝ ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ውልቀ ሰብ ምስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣልሸባብ ምስ ዝበሉ ዓለም ለኸ ግብረ ራዕዳውያን ርክብ ከምዘለዎ ዝጥርጠር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ፖሊስ ዞባ ቦረና ነቲ ተጠርጣሪ ኣሳፊራ ዝነበረት መኪና ምስ ኣሽከርካሪኣ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ጉዳዮም እናተረኣየ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.