Fana: At a Speed of Life!

ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር ብመምርሒ ኣሰራርሓ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን ክልልን ከምኡ እውን ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክልቲአን ከተማታትን ተወከልትን ብምዃን ንመምርሒ ኣሰራርሓ ፎረም ምኽክር ኣፅዲቖም።

እቲ ኣሰራርሓ መምርሒ፤ ኣብ ምውፃእ ሕጊ፣ ክትትልን ቁፅፅርን፣ ውክልና ህዝብን ሞያውን ምምሕዳራውን ኣገልግሎት፣ ዝሓሸ ምምኽክር፣ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ለውጢ፣ ኣጠቓቕማ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ተሳትፎ ህዝብን ብምስፋሕ ድልዱል ኣብያተ ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ።

ቤት ፅሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፣ ኣብያተ ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልላትን ኣብያተ ፅሕፈት ኣብያተ ምኽሪ ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን÷ ኣባላት እቲ ፎረም ምዃኖም ሓበሬታ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ የመልክት።

ንሓለፍቲ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ወከልትን ኣብያተ ፅሕፈት ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ተወከልትን ኣብቲ መምርሒ ድሕሪ ምምይያጦም ብሙሊእ ድምፂ ኣጽዲቖምዎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.