Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ አብ ዘሳለጦ ዓስራይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘትዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ አብ ዘሳለጦ ዓስራይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘትዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብቐዳምነት ኣወዳድባ፣ ተግባርን ሓላፍነትን ዝውስን መምርሒ በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ዝምልከት ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ነቲ ሴክተር ብብቕዓት ምምራሕ ዘኽእል መምርሒ ተዳልዩ ናብቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ቐሪብሉ።

አብቲ ዝቐረበ መምርሒ ብስፍሓት ድሕሪ ምዝታይ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣገደስቲ ሓሳባት ብምውሳኽ ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ተሓቲሙ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ።

ብምቕፃል መመሓየሺ ኣዋጅ ብሄራዊ ስርዓት ኽፍሊት ብዝምልከት ተዛቲዩ።

ብመሰረት እዚ ቕድሚ ሐዚ ዝነበረ ምምሕያሽ ዘድለየሉ፥ ምስ ሀገራዊ ሪፎርም ተዛሚዱ ዓለምና በፂሓቶ ዘላ ምምሕያሻት አብ ግምት ዘእተወ ስርዓት ኣከፋፍላና ንምዝማን ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ስለዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ መራጎዲ ሓሳባት ብምውሳኽ ንኽፀድቕ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መሪሑ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ንመጠናኸሪ  ስርዓት መግቢ ፕሮግራምን 400 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ፣ ካብ ሪፐብሊክ መንግስቲ ጣሊያን ንዘላቒ ልምዓት ዘፈር ጥዕናን ፕሮጀክት ዝውዕል ዝተፈቐደ 10 ሚሊየን ዩሮ ልቓሕ ረቂቕ ኣዋጃትን ርእዩ።

እቶም ልቓሕቲ ትሕቲ 1 ሚኢታዊ ወለድ ዝኽፈለሎምን ክሳብ 12 ዓመት ዘመን እፎይታ ዘለዎምን ብሙዃኑን ኣብ ውሽጢ 38 ዓመታት ተኸፊሎም ክዛዘሙ ዘለዎም ብሙዃኑን ብኣውርኡ ድማ ምስ ፖሊሲ ልቓሕ ሃገርና ዘይጓነፁ ሙዃኖም ሪኡ ንክፀድቑ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መሪሑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብራብዓይ ደረጃ፥ ረቂቕ ደንቢ መመሓየሺ ግብሪ እቶት ፌዴራል ዝምልከት ተዛቲዩ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት፥ ብምኽኒያት ሕፅረት ካፒታል ምንቅስቓስ ስርሕቶም ዝተዳኸሙ ትካላት ተወሳኺ ካፒታል ንምትእኽኻብ ካብ መንጎ ዝሽየጡ ሓደሽቲ ኣክሲዮናት ዝተረኸበ እቶት ካብ ግብሪ ናፃ ምግባር ዝህልዎ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታውን ካልኦት ምኽኒያታትን ደንቢ ብምውፃእ ሓደ ኣታዊ ካብ ግብሪ ናፃ ምግባር ከምዝኽእል ብመሰረት ዝተደንገገ ረቂቕ ደንቢ ቀሪቡ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ደንቢ ድሕሪ ምዝታይ እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ተሓቲሙ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.