Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዘህነፆ ካልኣይ ብርኪ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ ድሌት ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ለገጣፎ ኣብ ዝርከብ ቀፅሪ ዲቦራ ፋውንዴሽን ብ19 ሚሊየን ብር ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ ድሌት ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው መሪቐነኦ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ውሱንነት ዕቤት ኣእምሮ ንዘለዎም ኣባፅሕ ኣገልግሎት ዝህብ እዩ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ዘህነፆ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ ድሌት ውስንነት ዕቤት ኣእምሮ ንዘለዎም ኣባፅሕ ተምሃሮ ሕፅረት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብዝተወሰነ ብርኩ ከምዝቐርፍ ተመላኺቱ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጡ ሸሞንተ ፍሉይ ድሌት ንዘለዎም ተምሃሮ ምቹው ክፍልታትን ሙሉእ ኣገልግሎት ክህቡ ዘኽእሉ ክፍልታትን ዝሓዘ እዩ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ክሳብ ሐዚ ነዚ ናይ ፍሉይ ድሌት ሓዊሱ 24 ካለ፤ኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፁ እዩ።

ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ፥ ወለዲ ውሱንነት ዕቤት ኣእምሮ ዘለዎም ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ክልእኹን ዓቕሚ ዘለዎም ኣካላት ድማ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሰናይ ዕላማ ዝተዋፈሩ ትካላት ክሕግዙ ፃውዒት ምቕራበን ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.