ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ሲ ዲ ሲ ቻይናን ብሓባር ንምስራሕ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሞም
ኣዲስ ኣበባ፣ ሓምለ 27፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ማእኸል መቆፃፀሪን መከላኸሊን ሕማማት ቻይና (ሲ ዲ ሲ)ን ብሓድነት ተሓባቢርካ ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሎም ሰነድ ሰምምዕነት ተፈራሪሞም።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሾመ ቶጋ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝገበርዎ መደረ÷ እቲ ስምምዕነት ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ መንጎ ክልትኤን ትካላት ዝግበሩ ምትሕብባራት ዘጠናኽር ከምዝኸውን እምነቶም ገሊፆም።
ዳይሬክተር ጄኔራል ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዶክተር መሳይ ሃይሉ ብግደኦም÷ እቲ ምትሕባር ውፅኢታዊ ንክኸውን ብትኹረት ከምዝስራሕ ምዝራቦም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።
ዳይሬክተር ጄኔራል ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ቻይና ፕሮፌሰር ሺን ሆንግቢንግ ብወገኖም÷ ንውፅኢታውነት እቲ ምትሕብባር ኣድላይ ድጋፍ ከምዝገብሩ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com