Fana: At a Speed of Life!

ብምትሕብባር ማእኸል ፀፅታ ኣብ ጄኔቫን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያን እንትትግበር ዝፀንሐ ፕሮጀክት ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባር ማእኸል ፀፅታ ኣብ ጄኔቫን(DCAF)  ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያን ንክልተ ዓመታት እንትትግበር ዝፀንሐ ፕሮጀክት ተዛዚሙ።

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረ ሚካኤል፥ ማእኸልለ ምምሕዳር ዓውዲ ፀፅታ ጄኔቫ ካብ 2019 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ንዓውዲ ፀፅታ ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ስራሕቲ ሪፎርምን ህንፀት ሓይሊ ሰብን ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

እዚ ንስራሕቲ ሪፎርም ኣገዳሲ ከምዝኾነን ብስልጠና እናማዕበለ ከምዝኸይድን ሓቢሮም።

ተተካኢ ዳይሬክተር እቲ ማእኸልን ሓላፊ ዓውዲ ኦፕሬሽንን ዶክተር ማርክ ዳውንስ ብግደኦም፥ ዲካፍ ብመሰረት ሕቶ ሚኒስቴር ሰላምን ፖሊስ ፌዴራልን ኢትዮጵያ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ብዝተረኸበ ደገፍ ገንዘብ ኣወዳድባ፣ ትካላላዊ ኣፈፃፅማን ምምሕዳር ላዕለዎት መራሕቲ ትካላትን ብምዃን መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ገሊፆም።

ብቐፃልነት እቲ ማእኸል ምስ ፖሊስ ፌዴራል ከምዝሰርሕ እወን ኣረጋጊፆም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.