Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባህሬንን ብዓውዲ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ዘለወን ረኽቢ ንምጥንኻር ይሰርሓ ኣለዋ-ኣምባሳደር ኣወል ወግሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ባህሬንን ብዓውዲ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ዘለወን ረኽቢ ንምጥንኻር ይሰርሓ ኣለዋ ክብሉ ቆንስል ጄኔራል ኢትዮጵያ ኣብ ባህሬን  ኣምባሳደር  ኣወል ወግሪስ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኣወል ወግሪስ መሓመድ ምስ ዋና ሓላፊት ኣፍሮ-ኤሲያ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ባህሬን ኣምባሳደር ፋጢማ ኣብዱላ ኣዛዒን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምጥማት ተዛቲዮም።

ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ከቀራርብን ከተኣሳስርን ዘኽእሉ ጉዳያት ተግባራዊ ንክኾኑ ከምዝሰርሑ እቶም ኣምባሳደራት ገሊፆም።

ኣብ ባህሬን ዝነብሩ ዜጋታት መሰሎም ብዛዕባ ዝኽበረሉ ኩነታትን፣ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፍሰት ዓውዲ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ኣገባባት ከምዝተላዘቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.